ሓባራዊ መግለጺ፡
መንግስቲ ግብጺ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ምእሳርን ካብ ሃገር ምስጓግን ን ሓተትቲ ዑቕባ ኤሪትራውያን ብቕጽበት ጠጠው ክብል፣ ኣጥቢቕና ንሓትት።
እዞም ኣብ ታሕቲ ፈሪምና ዘለና ናይ ሰብአዊ መሰል ተጣበቕቲ ማሕበራት፣ ንዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምእሳርን ከምኡውን ብዘይ ፍቓዶም ካብ ግብጺ ምስጋግን ን ሐተትቲ ዕቑባ አሪትራውያን፣ አጥቢቕና ንኹንን፣ ብቕጽበት ጠጠው ንኽብል ከአ ነተሐሳስብ። ን ኩሎም ሐተትቲ ዑቕባ አሪትራውያን መሰላቶም ክሕለወሎምን ከምኡውን ምስጋግ ናብ አሪትራ ደው ኢሉ ነቲ ዝግብኦም ፕሮሰስ ክግበረሎም ንሐትት።
ረፉጂ ፕላትፎርም ኣብ እጅይፕት ( Refugee Platform in Egypt )፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ አሪትራውያን ሐተትቲ ዕቑባ ዝተኻየደ ፣ ብዘይ ፍቓዶም፣ ብሐይሊ ምስጋግ፣ ካብ ዕለት October 31. 2021-June 30, 2022, ኣብ ልዕሊ ሰብዓ (70) ዝቑጽሮም ሐተትቲ ዑቕባ ቆልዓን ሰበይቲን፣ ከምኡውን ሕሙማት ከምዝተኻየደ መዝጊቡ ይርከብ። እቲ ምስጋግ፣ ኣብ ሐሙሽተ ዝተፈላለየ ጊዘ፣ ከምዝተኻየደ፣ ክንገልጽ ንፈቱ።
አቲ ብዘይሕጊ ምእሳር ን ሐተትቲ ዑቕባ፣ ከምኡውን ምስጋግ፣ ናይ ግብጺ ሕግታትን ከምኡውን ዓለምለኻዊ ሕግታት ን መሰላቶም ከም ዝገሃስ ዘሎ ርዱእ እዩ። ካብቶም ዝተሰጎጉ ናብ ኣስመራ፣ ቤተሰባት አሪትራውያን ብዝ ረኸብናዮ ሐበሬታ፣ ገሊኦም ተገዲዶም ኣብ ዕስክርና ከምዝተወዝዖ ይነግሩ። መንግስቲ ግብጺ ነቲ ክጋጠሞም ዝኽእል ሳዕቤናት ናብ አሪትራ ምስተመለሱ አቶም ሐተትቲ ዑቕባ ደጋጊሞም፣ ጥርዓኖም ሐቢሮም ይርከቡ። አቲ ዘይሰብአዊን፣ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ጉዳይ ከአ፣ ብዙሐት ካብቶም ዝተሰጎጉ ብዝወሐደ ን ክልተ ዓመት ድሕሪ ምእሳሮም እዩ። ካብቲ ዝተነግረና ናብራ ናይ አስራት ከአ ከም ገበነኛ ተቖጺሮም ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ፣ ዘስካሕክሕ ምኻኑ ይነግሩ። ካብቶም እሱራት ገሊኤን ጥኑሳትን፣ ኣደ ቆለዉዕን ምኻነን ይንገረና።
ካብቶም ዝተሰጎጉ አሪትራውያን ገለ፣ ብዘይ ናይ ጥዕና ክንክን፣ ከምኡውን ዘይጥቁው መግቢ፣ ብሕልፊ ን ቆለውዕ ዘይተመጣጠነ ዓይነት ምግቢ ከምኡውን ክንክን ዝጎደሎ ኩነታት እዮም ሓሊፎም። አብ ናይ ሕቡራት ዓለም ( UNHCR ) ናይ ምርኻብ ዕድላት ዝተኸልከለ ኮይኑ፣መሰላቶም ዝተነፈገ እዩ። ሕጂ አንተኾነ እውን ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ አሪትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሕማቖ ኩነታት ኣብ ውሽጢ እስሪበት ይርከቡ። እቲ ኣብ ውሽጢ እስርቤት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኽጥርዝዎም እውን ተኽእሎታት አሎ።
አዞም አሪትራውያን ሐተትቲ ዑቕባ ምስ ዝኾነ ናይ ሰብአዊ መሰላት ተጣበቕቲ ን ኸይራኸቡ የጠንቅቝዎም። አዚ መጠንቀቕታ ካብ ኤምባሲ አሪትራ ኣብ ካይሮ ዘሎ ከይተረፈ እዩ ዝወሃቦም ዘሎ። ነቶም መራሕቲ ናይ ገለ ማሕበራት ኤሪትራውያን ን ኸይዛረቡን፣ ከምኡውን ከይጽሕፉ ይንገሮም። አቲ ምፍርራሕ ካብ መንግስቲ ግብጺ ከምኡውን ወኪል ናይ አሪትራ ኣብ ካይሮ ዝነቐለ እዩ።
እዚ ዘይሰብአዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ሐተቲ ዑቕባ አሪትራውያን ዝካየድ ዘሎ፣ አንጻር ሕግታት ግብጺ ከምኡውን ናይ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጋሃሰ እዩ። ስለዚ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት፣ እዞም ኣብ ታሕቲ ፈሪምና ዘለና ማሕበራት፣ከምኡውን ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት፣ መንጊስቲ ጊብጺ ን ሐተትቲ ዑቕባ ን አሪትራ ምጥራዝ ብቅጽበት ጠጠው ከብል ንሓትት። አብ ናይ ዓለምላኻዊ ማህበር ( UNHCR ) ክራኸቡ ዕድል ክወሃቦም ነዘኻኽር። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ን ግብጺ ኣቲኹም ዝብል ምስምስ ገዲፉ, መንጊስቲ ግብጺ ነዞም ደለይቲ ዑቕባ መሰላቶም ክሕለዎሎም ከምዝግባእ ነዘኻኽር። ኣብ መጨረሻ ድማ ጠበቓ መንጊስቲ ግብጺ ነቲ ዘድሊ ምጽራያት ተገርሉ፣ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ከቕርቦም ንላቦ።