መንግስቲ ኣብ ስደት
ሃገራዊ ወኪል ቤት-ምኽሪ ኤርትራ
መንግስቲ ኣብ ስደት
nrce.in.exile@gmail.com nrce.gie.com NRCE-GIE Media ( NRCE-GIE )
ክቡር ኣቶ/ወሮ፡
ብመጀመርታ፡ ኣብዚ ናይ በዓል ልደት እነኽብረሉ ዘለና እዋን፡ ንኹሉኹም ርሑስ ቅንያት በዓላት ይምነየልኩም። ሓቂ ክዛረብ፡ ፖለቲከኛ ጥራይ ዘይኮንኩ፡ ብጣዕሚ ሃይማኖታዊ እውን’የ። ከምኡ ብምዃነይ፡ ፈቃር፡ ሓላዪ፡ ለዋህን ይቕረ በሃልን ንክኸውን ይሕግዘኒ እዩ። ኣብ ኪደት፡ ካብ ቅኑዕ ንላዕሊ ሕያዋይ ክኸውን ከም ዘለኒ ከኣ ተማሂረ።
እንሆ ዓመተ 2022 ትዛዘም ኣላ። ንኩሉኹም ርሑስ ሓድሽ ዓመት። ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ንፍትሒ እንታይ ዓወት ኣመዝጊብና፧ ዓወትና ምስ ክውንነት ብምንጽጻር ከመይ ንመዝኖ፧ ቅኑዓት ሜላታት፡ ስልትታትን ስትራተጂታትን ተጠቂምና’ዶ፧ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክንብል፡ ብሕብረት’ዶ ንሰርሕ ኣለና፡ ወላስ በብመዓልቲ፡ ሰሙንን ወርሕን ሃቢቡ ምስ ዝመጽኣና ኣርእስታት ኢና ነንሳፍፍ ዘለና፧
ጽቡቕ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ኣብ ክንዲ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ምዃን፡ ኣካል ናይ ሽግርና ይኾኑ ምህላዎም የጉህየኒ። ተመሳሰልቲ ኣካላት፡ ሓደን ዝተደጋገመን ሓሳባት እናተጠቀሙ፡ ዝተፈልየ ውጽኢት ይጽበዩ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ፖለቲካ ካብ ዕላማ ንላዕሊ መዛነይን መሕለፊ ግዜን ኮይኑ ይርከብ። ኢሰያስ፡ ብዘይካ ንተቓወምቱ ምጥፋእ፡ ካልእ ፍሉይን ፍሉጥን ዕላማ የብሉን። ብተምሳሌት ክግለጽ እንከሎ፡ ዝበዝሑ ካብዞም ሰብ ‘ጽቡቕ-ባህጊ’ ነገራት መምስ ኣጋጠመ ዝነቕፉን ውሕልነቶም ዘርእዩን እዮም ኮይኖም ዘለዉ። ብጽቡቕ ኣመኻንዮም ጉድኣት የውርዱ ኣለዉ። ብዙሓት ካብኦም፡ ምስ ህቡብ ፍጻመታት ብምስምማዕን ብምውጋንን ኣካል ናይቲ ጸወታ ክኾኑ ይመርጹ። ካልኦት፡ ዓሳ ንምሓዝ ኣእዳዎም ናብቲ ዒላ ምስ ኣጥለቑ፡ ካብ ባህርያዊ ጸላኢኦም ብዝሃድሙ ብዙሓት ውንጅራት ይንከሱ ኣለዉ።
ኣብ ምምሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ባይቶን ስልጣኖም ንብድሕሪኦም ዘሎ ወለዶ የመሓላልፍዎ እዮም። ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ግን፡ ሓደ ንሓደ ኣጥፊኡ ዝነግሰሉ ውድድር ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ውልቂ ትካል’ዩ ዝመስል። ነዚ ኩነት ዝመስልዎ ሰባት ኣብዚ ኣስማቶም ክረቁሕ እንተዝኽእል ደስ ምበለኒ።
ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዝብል ዘይሓቃዊ፣ ግጉይ ፣ ምሳለ ክቕላዕ ኣለዎ፣። እታ ኣንጭዋን መጎጎን ይሰበር። እዚ ናይ መጎጎን ኣንጭዋን ድሑር ምስላ`ዚ፡ ኢሰያስ ንኽነብር ኣስተዋጽኦ ዝገበረ መሳርሒ እዩ። ክቃላሕ ኣለዎ። ሰብ ሓልፍነቱ ክስከም ኣለዎ። እቶም ዘርጊ ናይ ማይ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ፈሊጦም ድዮም ከይፈለጡ፣ ነገራት ዝዘባርቑ ዘሎዉ ክንስይሞም ኣለና ይብል ብወገነይ።
ኣብ ኩዕሶ-እግሪ፡ ኣብ ቅድሚት እቲ ዝበለጸ ኣጥቃዒ እምበር፡ ዝኾነ ተጻዋታይ ኣይተቐምጥን ኢኻ። ዝተረፍና ነታ ጋንታ ክንድግፍን ከነተባብዕን ጥራይ እዩ ዘለና። በዚ ድማ፡ ዓወት ናይቶም ዓሰርተ-ሓደ ተጻውትቲ፡ ዓወት ናይታ ሃገር ይኸውን። ልዮኔል-መሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃገረ ኣርጀንቲና እያ ዋንጫ-ዓለም ተዓዊታ።
እምበኣርከስ፡ ነዞም ሰብ ‘ጽቡቕ-ባህጊ’ ግን ከኣ ጸየቕቲ ዝምሕጸኖ እንተልዩ፡ ሎሚ ድሕሪ 31 ዓመታት፡ ነዚ ምንቅስቓስ ብንጹር ስትራተጂ ክመርሕዎ ንዝኽእሉ ሓደስቲ ዕድል እትህቡሉ ግዜ እዩ ክብለኩም ይደሊ። ኣብ ናይ ቢዝነስ ዓለም፡ ትካልካ መኽሰብ ክፈጥረልካ ናይ ሰለስተ ዓመት ግዜ ጥራይ’ዩ ዝወሃቦ፡ እንተዘይኮይኑ ካልእ ስራሕ ክትቅይር እዩ ዝግባእ።
ኣብ 2022፡ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ዘሕዝን ኲናትን ምትእትታው ኢሰያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን፡ ከም ተቓለስቲ ዝረብሕ ድርኺት ክንፈጥር ኣይከኣልናን። ኣብ መወዳእትኡ፡ ትግራይን ኢትዮጵያን ተጻብኦታት ብምቋራጽ ንሰላም ምስራሕን ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስን ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም ኣለዉ። ሽሕ’ኳ ዝበዝሐ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንኽወጽእ ኣጽኒዖም ይጠልቡ እንተሃለዉ፡ ኢሰያስ ግን ገና ንገለ ክፋል ትግራይ ተቖጻጺሩ ይርከብ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ዘይተርፍ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ዝተፈናጨለ ምንቅስቓሳት ንጋድም እናሰፍሐን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዓቕሙ እናጎደለን ዝኾነ ለውጢ ከርኢ ኣይከኣለን ዘሎ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ናይ ዲያስፖራ ምንቅስቓሳት ማይ ዘይብሉ ባዶ ሳንኬሎ ኮይኑ ተሪፉ። ንዝሓለፈ ሰላሳን-ሓደን ዓመታት ዝተደጋገመ ስትራተጂ እንሆ ተመሳሳሊ ውጽኢት የርእየና። ኣወንታዊ ለውጢ ንኸነምጽእ ቅድም ንገዛእ-ርእስና ክንልውጥ’ዩ ዘለና። ኣንጻር’ዚ ወግዒ ዘይብሉ ጸላኢና ክንወስዶ ዝግባእ ሜላ፡ ዘይወግዓውን ስትራተጅያውን ክኸውን ይግባእ። ኣብ ምህዳምን ምክልኻልን ኢና ዘለና፡ እናሃደምካ ከኣ ንጸላኢኻ ዘውድቕ መጥቃዕቲ ክትውርውር ኣይከኣልን’ዩ። ገሊኦም፡ ክሳብ ኢሰያስ ብገለ ካብ ስልጣኑ ዝወድቕ ሓይሎም ዓቂቦም ውሑስ ጸወታ ይጻወቱ ኣለዉ። ክሳብ ሽዑ፡ ብህግደፍ ዝካየዱ ዓመጻት ከየጋዋሕና ስትራተጂና ንህነጽ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎም።
ንሃገርና ብህጹጽ ኣብ ዘድልዩዋ ነገራትን ጽንኩር ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ከነተኩር ንኽእል’ዶ፧ ንሃገርናን ህዝብናን፡ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ከድሕን ዝኽእል ትልሚ ምንዳፍ፡ እቲ ብህጹጽ ክንገብሮ ዝግበኣና ነገር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብናይ ህግደፍ ሰብ-ሰርሖ-ክርደና ምሉእ ብሙሉእ ተዓጽዩ ይርከብ። መግቢ፡ መድሃኒት፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካልኦት ንህዝቢ ዘድልዩ ኣገልግሎታት ኣብ ኤርትራ የለዉን። ህግደፍ፡ ንመንእሰያትና ኣብ ዘየድሊ ኲናትን ብዕላማ ዝተሰርሓሉ ፍልሰትን ወዲእዎም’ዩ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ባጀት ኤርትራ፡ ናይ መጻኢ መንግስቲ፡ ኣድላይነት ናይ ዲሞክራሲ ክንጽሕፍ እነጥፍኦ ዘለና ግዜ፡ ምስ’ቲ ሎሚ ኣብ ዘመነ-እምኒ ዝነብር ዘሎ ዝጠመየ፡ ዝጸምአን ዝሓመመን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝመጣጠን ኣይኮነን።
ቀዳምነታትና ኣጽፊፍናዮም ዲና፧ ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ፡ ኖእ ኣይጽፈፍናን፡ እኳ ደኣስ ዝሓመቐ ሚዛን እየ ዝህቦ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ማለት እቲ ዝበዝሐ ስቕታ መሪጹ ዘሎ 80-90%፡ ንዓና ከም ተቓወምቲ ዋጋ ስለዘይህበና ኣድህቦኡ ናባና ክገብር ኣይክእልን’ዩ። ህዝብና ብዓቕለ-ጽበት እናነብዐ፡ ንስቓዩ ብመጋየጺ ኣርእስታት ንምልሶ ኣለና። ኣብ ዲያስፖራ ዘለዋ ምንቅስቓሳት፡ ዝጭበጥ ውጽኢት ዘይብለን ናይ ምቾት ምንቅስቓሳት ኮይነን እየን ዝርከባ።
HALL OF FAME- For Good, Bad, and different reasons:
— ኣብ 2022 ካብ ዘጋጠሙ፡ እቲ ብዝያዳ ኣወንታውን ትርጉም ዘለዎን ፍጻመ እንተኔሩ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ውዕል ሰላም’ዩ።
— ናይ ቅድም ኣምባሳደር ሎሚ ድማ ኣፈኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣቶ ስቲቭን ሲ. ዎከር፡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ክቕጽል፡ ናይ ኣምባሳደርነት ስልጣኑ መስዋእቲ ዝገበረ ሰብ’ዩ።
— ንሰማምዓሉ ኣይንሰማምዓሉ፡ ቅኑዕ ድዩ ጌጋ ኢልና ንሕሰቦ፡ ሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ኢልና ንእመነሉ፡ እቲ ፍጻመ’ውን ዘይሓሰብናዮ ይንበር፡ ብርጌድ-ንሓመዱ ዝገበሮ ስርሒት፡ ኣብ 2022፡ ካብ ህግደፍን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝዓበየ ኣቓልቦ ዝረኸበ ፍጻመ ምንባሩ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን።
— ኤሪ-ሳት፡ ዲሲፕሊናዊ፡ ምሉእ፡ ጽኑዕ፡ ዘየብለጭልጭ ማዕከን ዜና ናይ ዓመተ 2022`ያ ኔራ። እዚ ድማ ብሰብ-ሞያውያን ዝመሓደር ውድባዊ ቅርጺ ስለዘለዋ እዩ። ናይ ኣቀራርባ ብሉጽነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኻልኦት ናይ ማሕበራዊ ገጻትን ራድዮን ትካላት’ውን መደባተን ናብ ህዝቢ ዘቕርባላ ሓጋዚት መድረኽ ኮይና’ያ ኤሪ-ሳት። ንኤሪ-ሳት እንህባ ሚዛን ናይ ሓፋሽ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ’ዩ።
— ኣብ 2022፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐዳምነት ዝተጸልአ ምስለ-መራሒ፡ ጨካን፡ ምልካውን ኣምባገነን ኢሰያስ ኣፍወርቂ እዩ።
— ናይ ሰልጠነ ተፈታዊ ቶክ-ሾው፡ ብብዝሒ ዝተዘርበላ ናይ ልዝብ መድረኽ ናይ’ዚ ዓመት ኔራ። ፍተዉዎ ጽልኡዎ፡ ምስ ሰልጠነ ተሳማምዑ ኣይትሰማምዑ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ናይ ዓመተ 2022 ዝገነነ ቶክ-ሾው እዩ ኔሩ። ኣብ ሞንጎ ፍቕርን ጽልእን ዘካትዐ ሰብ’ዩ።
— ኣብ ዓመተ 2022፡ ሃገራዊ ወኪል ቤት-ምኽሪ ኤርትራ/መንግስቲ ኣብ ስደት ( NRCE-GIE ) ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወግዓዊ ወኪል ኮይኑ’ዩ። ካብ ቤት-ጽሕፈት መንግስትን ክፍሊ ጸጥታን መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ኣፍልጦ ረኺቡ። ከምቲ ኣብ 1985 ብውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ሎሚ ኣብ 2022 መንግስቲ ኣብ ስደት ምቛሙ ንህግደፍ ርእሱ ኣሕሚምዎ’ዩ። ሃገራዊ ወኪል ቤት-ምኽሪ ኤርትራ፡ ናይ ዓመተ 2022 ታሪኻዊ ምዕራፍ’ዩ። NRCE-GIE ምስ ኤሪ-ሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኣብ ምቅዋም ሓዋላን ኣርቲፊሻል ናይ ገንዘብ ሸርፍን፡ መልአኽቱ ንኢሰያስ በጺሕዎ’ዩ። በዚ ድማ’ዩ ኣብ ናይ መወዳእታ ቃለ-መሕትቱ ዝተዛረበሉ፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ነቲ ቃለ-መሕትት ምክትታል ይከኣል እዩ።
— ማእሰርቲ ናይ ኣቡነ ፍቕረማርያምን ካልኦት ሰለስተ ኣቕሽሽቲ እምነት ካቶሊክ፡ ንምፍትሖም ኣብ ዝተላዕለ ጎስጓስ ብብዝሒ ሰብ ዝተሳተፎ ኔሩ።
— ብተጋዳላይ ሳሙኤል ወልዳይ ዝተፈጸመ ስርሒት ምምላጥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ዝለዓለ ኣቓልቦ ዝረኸበን፡ ንዘይከኣሉ ነገራት ከምዝከኣሉ ዘመስከረን ፍጻመ ናይ 2022 ኔሩ። ነዚ ስርሒት ንኽፍጽም እንታይ ዓይነት ትብዓት ሓቲትዎ ይኸውን፧
— ዝያዳ ኣከራኻሪ ሰብ ናይ 2022፡ ኣቶ በየነ ገብረእግዚኣብሄር (ውፉይ) እዩ ኔሩ። ብሰንኪ ውልቃዊ ርእይቶኡ ብዙሓት ኣስማት ተዋሂቦምዎ’ዮም። ንህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ሳልሕ ሳበ ወዘተ ሸፋቱ ዝብል ቃል ተጠቂሙ። ነዚ ኣረኣእዩኡ ግን ብጽንዓት ቆይሙሉ’ዩ። ብናተይ እምነት፡ ኢሰያስን ስርዓቱን እዮም ሸፋቱ እምበር፡ እቶም ምእንተ ናጽነት ኤርትራ ዝወደቑ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣይኮኑን። ኣነስ መሰል ናይ ርእይቶ ኣለኒ እንድዩ።
ብዝለዓለ ደረጃ ዝተጋህሱ ቃላት ናይ ዓመተ 2022
1- “ደሞክራሲ”፥ ደሞክራሲ ብመስርሕ ዝብጻሕ እምበር፡ ብውህብቶ ወይ’ውን ብመግለጺታት እትጎናጸፎ ህያብ ከምዘይኮነ፡ ሰባት ይርስዕዎ እዮም። ደሞክራሲ ክልተ-መንገዲ ዘለዎ ጎደና ኮይኑ፡ ናይ ዝኾነ ኣድልዎ የብሉን። ደሞክራሲ፡ ብፍጹም ብዛዕባ ንሰማምዓሎምን ዘይንሰማምዓሎምን ነጥብታት ንመርጸሉ ኣይኮነን። ደሞክራሲ፡ ብዛዕባ መን’ዩ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዘይኮነስ፡ ኩልና ከም ኣባላት ሕብረተሰብ ናይ ምሕሳብ መሰል ከም ዘለና ዘረጋግጽ’ዩ። ደሞክራሲ፡ ብዛዕባ ስቕታ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ፡ ብኽንዲ ምንታይ ዓውታ ንዛረብ ደኣ’ምበር። ደሞክራሲ፡ ናይ ነንሓድሕድና መሰል ንረግጸሉ ዘይኮነስ፡ ርእይቶ ካልኦት እነኽብረሉን እምሰምዓሉን’ዩ። ደሞክራሲ መጽሓፍ-ቅዱስ/ቁርኣን ኣይኮነን፣ ኣበር-ኣልቦ ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን። ንምሕደራ ግን እቲ ዝሓሸ ኣገባብ እዩ።
2- ካልእ ኣብ 2022 ኣብ ጌጋ መዓላ ዝወዓለ ቃል “ፍትሒ” እዩ። ፍትሒ፡ ንኹሎም ብማዕረ ኽውክልን ወገንነት ዘይሕዝን ክኸውን ይግባእ። ፍትሒ ማለት መሰልካ እናውሓስካ መሰል ካልኦት ምግሃስ ማለት ኣይኮነን። ፍትሒ ማለት፡ ሓሳባተይ ቅኑዓት፡ ሓሳባትካ ግን ጌጋ ስለዝኾኑ ብዝተኻእለ መጠን ኣፍካ ክዓብሰካ ኣለኒ ማለት ኣይኮነን። ፍትሒ፡ ኩሎም ደቂ-ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕረ ዝፈርድ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰባት’ዩ። “በደል ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ማለት በደል ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሰባት’ዩ” ዝብል ብሂል ቀደም ኣሎ። ፍትሒ፡ እቶም ብዙሓን ይዕወቱ ማለት ዘይኮነስ፡ ምዕቃብን ምክልኻልን መሰል ናይቶም ውሑዳን ማለት’ዩ። ፍትሒ ናይ ዕስለ ሰባት ስልጣን ማለት ኣይኮነን።
3- ልዕሊ ኩሎም ብጌጋ ዝተወከለትን ዝተረድአትን ቃል ናይ 2022 “ፖለቲካ” እትብል ቃል እያ። ብርግጽ፡ ኣብ ጥቓ “ሃብረሸቆ” እትርከብ ከተማ ኣይኮነትን። ፖለቲካ፡ ምስ ብጉጅለ እትወስዶም ውሳነታት፡ ወይ ኣብ ሞንጎ ውልቀ-ሰባት ዘሎ ናይ ስልጣን ዝምድናታት፡ ከም ምቕረሐ ጸጋታትን ደረጃታትን (ስልጣን) ዝኣመሰሉ እኩባት ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ መስርሕ እዩ። ፖለቲካ፡ ናይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ስነ-ጥበብ እዩ። ፖለቲካዊ ጉዳያት እተካይደሉ ሞያ እዩ። ፖለቲካ፡ ሃገርን ሕብረተሰብን ብኸመይ ይመሓደሩ ኣብ ዝብል፡ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ዘለዉ ነጥብታት ስርዓት እትሃንጸሉ መስርሕ እዩ። ፖለቲካዊ መርገጺታትን ኣረኣእያታትን ናይ ምምእዛንን ምምራሕን ሜላ ከምኡ’ውን ንከተማ ወይ ሃገር ክትቆጻጸር ዘኽእለካ ዘዐውት ስትራተጂ ምጥቃም ማለት’ዩ። ፖለቲካ፡ ከም ደሞክራሲ፡ ንግስነታዊ፡ ኦሊጋርኪ፡ ምልካውን ኣምባገነናውን ዝኣመሰሉ መስርሓት ይጥቀም። ከም ፖለቲካውያን ክንደይ ካባና’ዮም ኣብዞም ምድባት ዝበቕዑ እናበልኩ ይግረም’የ። ኩልና ነተን ነንኽእለን ክፋላት ብዝበለጸ ደረጃ ክንገብረን ንኽእል’ዶ፧ መቸም ሓኪም ስኒ እንተዘይኮንካ፡ ብፍጹም ስነይ ከተምሉቐለይ ኣይምነን። ክኢላ ኣርተፊሻል መጥባሕቲ ስለዘይኮንኩ ገጽካ ከመዓራርየልካ ኣይትደልየንን ኢኻ።
4- ልዕሊ ካልኦት ቃላት ብዝለዓለ ግር ዘበለት ቃል ናይ 2022 እንተኔራ “ባይቶ” ትብል እያ። እንታይ ማለት እያ፧ ክትጥቀመላ ደስ እትብለካ ብምዃና፡ ብግቡእን ዘይግብኡን ኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ክትውዕል ጸኒሓ። ከጉህየኩም ኣይደልን፡ ግን ብዘይ ግቡእ “ባይታ” ፡ “ባይቶ” ከትብጻሕ ኣይትከኣልን’ያ። ናብኡ ዘብጽሓና መጓዓዝያ መንገዲ፡ ቢንቶታታት፡ መንገዲ ባቡራት ከየዳለና ነዊሕ ህንጻን ናይ ስፖርት ማእከልን እንተሃኒጽና፡ ናብ ዝኾነ ዘየብጽሓካ ባይቶ ሃኒጽና ኣለና ክበሃል ይከኣል።
5– ብዝኸፍአ ደረጃ ዝተጋህሰት ቃል ናይ 2022 “ወነንቲ ብርኪ” እትብል’ያ። ምስ “ጎባልል” እትብል ቃል ግን ከይተደናግረኩም። እዞም ወነንቲ ብርኪ እንብሎም፡ እቶም ንዘየርብሕ ፖለቲካዊ ምኽርታት መዓልታዊ እንኸዶም ኣካላት እንተኾይኖም፡ በዚ መረዳእታ መሰረት ከምኡ ክመስሉ ግድን’ዩ። ብናተይ ርድኢት ግን፡ ወናኒ ብርኪ ማለት ከይበዝሐ ከይወሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ልዕሊ ቃላት ግብሪ እዩ ዝዛረብ። ኣይንስታይን ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡ “ሂወት ከም ምዝዋር ብሽክለታ እያ፡ ሚዛንካ ክትሕሉ እንተድሊኻ፡ ብዘይ ምቁራጽ ክትንቀሳቐስ ኣለካ።” ኣብ ጉዕዞ ሓርነት፡ ገሊኦም ፈጺሞም ኣይንቀሳቐሱን፡ ገሊኦም ከኣ ክትንቀሳቐስ ኣይደልዩኻን፡ ኣብቲ ጉዕዞ ከኣ ኩልና ሚዛንና ንስእን። ከም እምነተይ፡ ገሊኦም ካብቲ እታ ብሽክለታ እትኸደሉ መንገዲ ክወጹ ኣለዎም።
ነዞም፡ ኣብ ናይ ምብልሻው ስራሕ ተጸሚዶም ዘለዉ፡ ናይ ዕንወት ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ኩሉ ብዛዕብኦምን ምእንቲ ነብሶምን ኮይኑ ዝስምዖም፡ ንሓቂ ከዛብዑ ዝውዕሉ፡ ኣብ ቃልዕ ከነዋርዶም ዘይደለናሉ ምኽንያት፡ መስሓቕ እቲ ቀንዲ ጸላኢና ህግደፍ ንኸይንኸውን እዩ።
ኣብ ዓመተ 2023 ቀዳምነታትናን ስትራተጂናን እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧
1– ኤርትራ ኣብ ናይ ህጹጽ ኩነታት ሓደጋ እያ ዘላ፡ ህዝብና ድማ ኣብ ዘሰቅቕ ኩነታት እዩ ዝርከብ። ነቲ ስርዓት ጠቕሊሉ ካብ ስልጣን ዝጓሓፈሉ ውጽኢታዊ ስትራተጂ ክንበላሓት ኣለና። ኣሸበሸብ ነዚ ድስቡጣዊ ስርዓት እንተውደቕናዮ፡ ድሕሪ ውድቀቱ ዘገልግሉ መደባት ምውጻእ ኣገዳሲ እዩ። እንተዘይኮይኑ፡ ናይ መጻኢ ጽቡቕ ምሕደራ ትምኒትና ኣብ ከብሒ ተቐሚጡ ዶሮና ጥራይ’ዩ ክእክብ። ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ናይ ምርጫን ጎስጓስን ወቕቲ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት እዮም ዘለዉ።
2– ሓደ ጸላኢ ጥራይ’ዩ ዘለና፡ ምልካዊ ኢሰያስን ንሱ ዝፈጠሮ ስርዓትን። ኩሉ ኣተኩሮናን ጸዓትናን ናብዚ ሓደ ጸላኢና እዩ ከቕንዕ ዝግብኦ። ነንሕድሕድና ከም ሓውሲ-ጸላእቲ ክንዋቓዕን ኣድህቦና ብናይ ካልእ ክፋል ዓለም ፍጻመታት ክስለብን ኣይግባእን።
3– ብግቡእ ዝተነድፉን ዘዐውቱን ስራሓት ከነካይድ፡ ጸላኢና ንፍለጦ። ጸላኢና ኣብ ጸላም ከመይ ይሰርሕ ብዕምቆት ንፈልጦ ኣይመስለንን። ጸላኢና ወግዕን-ሕግን-ኣልቦ እዩ። ስለዚ፡ ዘይወግዓውያን ስልትታት ከነማዕብልን ኣብቲ ዘቐንዝዎ ኣካሉ ክንሃርሞን፡ ማለት ናይ ፋይናንስ ማሕፉዳታቱ ብምህራም ናይቲ ስርዓት ሕመረት ኣካሉ ከነሰንክሎ ኣለና።
4– ንኣሰራት ገንዘቡ ብምኽታል፡ ንኹሎም ዘይሕጋውያን ምንጭታት ኣታዊ ናይቲ ስርዓት ከነጥቅዖም ኣለና። ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ኣታዊ ናይቲ ስርዓት እዩ። ብናይ ዲፕሎማሲ ቅድመ-ግምባር ጌርና፡ ናይቲ ስርዓት ኣጠቓቕማን ኣታዊታት ጸጋታቱን ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ነረድኣዮም።
5– ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ናይ ንግዲ ዝምድና ዘለወን፡ ከም ናይ ዕደናን ኣፍረይቲ ትካላትን መንግስታትን ዕላማ ንግበረን።
6– ንህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ደው ክብል ነተባብዓዮን ድርኺት ንፍጠረሉን። እቲ ግዜ፡ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ እዩ።
7–ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ውጽኢታዊ ንምግባር፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ሽርክነት ንፍጠር። ነቲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ መሊስና ግዳይ ኣይንግበሮ። ዝበዝሐ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ተኸቲቡ ናብ ውትህድርና ዝኣተወ እዩ። ንዘለዎም ስቓይ ካብ ዘለዎ ብዕጽፊ ከነባዝሖ ኣይግባእን። በቲ ስርዓት ተገፊዖም ከይኣክል፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብዘይምፍላጥ ድማ ተጸሊኦም። ኣብ ትሕቲ ምሕረት ኢሰያስን ጀነራላቱን ኮይኖም ኣብ ዝኾነ ግዜ ተጠቂሞም ዝጉሕፍዎም እዮም። ብናተይ እምነት፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ክንሰርሓሉ እንኽእል ዕድል ኣለና።
8– እንኣምነሉ ብምዝራብን ፍልልይና ብምጽባብን ነዚ 80-90% ዝኸውን ኣብ ስቕታ ዘሎ ክፋል ህዝብና ከነበራብሮ ንኽእል ኢና። ንምንታይ ኣስቂጦም ኣብ ዝብል ምስትምሳል ገዲፍና፡ ናብ ጽላልና ብኸመይ ነምጽኦም ኣብ ዝብል ንስራሕ። ሓፋሽ፡ ኣእምሮና ከንብብ ኣይክእልን ይኸውን፡ ልብናን ቀልብናን ምስ መን ከምዘሎ ግን ይርድኦ’ዩ።
9– ንደልዮ ለውጢ ንኽመጽእ ቅድመ-ንጡፍን ጎነጻውን ስጉምትታት ምውሳድ ኣድላዪ እዩ። ናይ ገዛእ-ርእስና ዛዕባታት ስለዘይብልና ኢና ብኻልኦት ዝድርበዩልና ዛዕባታት ከነጋውሕ ግዜና ነሕልፎ ዘለና። ተሓታትነት፡ ግሉጽነትን ቅንዕናን ንጉድለታትና ከሕውዩልና ይኽእሉ እዮም። ናይ ገዛእ-ርእስና ሕልሚ ወኒንና ብሓባር ከም ሓንቲ ጋንታ እንተዘይሰሪሕና፡ ናይ ካልእ ሰብ ሕልሚ ክንደግምን ከነፈጽምን ኢና።
መደምደምታይ፡ መንግስቲ ኣብ ስደት እቲ ዘይተተንከፈ ግዝኣት፡ ዝጎደለና መላግቦ፡ ድልድልን ናብ ገዛና ዘብጽሓና ትኬትን እዩ። ካልእ ግን ንዝሓለፈ ሰላሳን-ሓደን ዓመት ፍጹም ዘይሰመረ ጭርጭር ዓበደ እዩ፡ ኣካሉ እየ ነይረ። ሃገራዊ ወኪል ቤት-ምኽሪ ኤርትራ/መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ቅኑዕ መንግስቲ ኣብ ስደት እዩ። ኣብ ውጽኢት እንኣምን፡ ሽግራት እንፈትሕ ኣብ ግብሪ እንኣምን ምንቅስቓስ/ማሕበር ኢና።
NRCE-GIE Committee
Ghebre Bahdurai, front officer
December 25, 2022.